ጾታውነት ኣገዳሲ ኣካል ህይወት ደቂ ሰባት እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ንነብስኻን ንካልኦትን ብሕግን ክኽበር ይግበኦ።

ኣብ ሉክሰምበርግ፤ ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ግዳም፤ ካብ ክገጥመኩም ዝኽእል ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ብሕጊ ይጣበቐልኩም።

ጾታውነትኩም ሓላፍነትኩም እዩ።

ጾታዊ ስምዒታዊ ህይወትኩም ናትኩም ናይ በይንኹም እዩ። ብናይ ገዛእ ርእስኹም መጠነ ቅልጣፈ ተማዕብልዎ፤ ምስ ግዜ ከኣ እንዳተቐየረ ይኸይድ።

ጾታውነት ብዙሕ ጎድንታት ኣለዎ (ስነ ልቦናዊ፤ ተገንዝቦኣዊ፤ ስምዒታዊ፤ ዝምድናዊ ወዘተ)።

እትዛረቡዎ ቋንቋ ብዘየገድስ፤ Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) ክሰምዓኩም ዝተቐረበ እዩ።

ዓቕሚ ኣዳም ንዝአኸልኩምን ዓቕሚ አዳም ንምእካል ዝተቐረብኩምን፤ በይንኹም ይኹን ምስ ብጾትኩም፤ ዓይነት ጾታኹም ብዘየገድስ ፤ Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) ንትሐትዋ ሕቶ ክምልሰልኩም ድልው ምዃኑ ይገልጽ።

Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) ይሰምዓኩም፤ ሓበሬታን ምኽርን ይልግሰልኩም፤ ከምኡ’ውን ሕክምናዊ አጎልጉሎት ይህበኩም።

Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) ንሕቶታኩም ብዘይሻራውን ከምኡ ዉን ምስጢራውን ብዝኾነ መገዲ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ይምልስ።

Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) ኣብ ከተማ ሉክሰምበርግ ኣብ ዘሎ ማእከላዊ ቦታ ተደኪኑ ክርከብ።

Planning Familial (ትካል ውጥን ስድራቤት) አብ ጾታውን ስም ዒታውን ፍርያታውን ጥዕንኹም ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣገልግሎት ይህብ።

Sexoogle

  • A

    Abstinence
    Actes sexuels punissables
  • B

    Bactérie
    Bientraitance
  • C

    Canaux déférents
    Cape cervicale
  • D - E

    Densité osseuse
    Dépistage
  • F - G

    Fécondation
    Fellation
  • H - I

    Harcèlement
    Hémorragie
  • J

    Jalousie
    Jaunisse
  • L

    Latex
    Lesbienne (personne)
  • M - N

    Majeur.e
    Majorité sexuelle
  • O - P

    Ocytocine
    Œstrogène
  • Q - R

    Queer
    Rapport sexuel
  • S

    Sac amniotique (OMS)
    Santé affective et sexuelle (OMS)
  • T - V

    Terminaisons nerveuses
    Testicules